Fana: At a Speed of Life!

ቱሪዝም ኢትዮጰያን ፌስቡክን ኣብ ኢትዮጵያ ፕሮግራም ዕድጊት ዲጂታል ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቱሪዝም ኢትዮጰያን ፌስቡክን ኣብ ኢትዮጵያ ዘፈር ቱሪዝም ካብ ፅዕንቶ ለበዳ ቫይረስኮሮና ንኽወፅእ ፕሮግራም ዕድጊት ዲጂታል ብዕሊ ኣጀሚሮም።

እቲ ፕሮግራም ብምትሕብባር ዝሰርሕ እንትኸውን፥ ብሃገር በቆል ሰመር ሚዲያ ከምዝትግበር ተገሊፁ፡፡

ብዋንኡ ድማ ብኮቪድ-19 ዝተጎድአ ዘፈር ቱሪዝም ንምሕጋዝ ዝትግበር ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ብንኡሽተይ ምንቅስቓስ ንግዲ ዝተዋፈሩ ኣካላት ምሕጋዝ ዓላማ ዝገበረ ፈተነ ፕሮግራም ተተግቢሩ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብዋንኡ ድማ ኣብ ትሑት ምንቅስቓስ ዝተዋፈሩ ኣካላት መተግበሪታት ፌስቡክ፣ ኢንስታግራምን ዋትስኣፕን ብምጥቃም ዕድጊት ንግዲ ቀጥታ (ኦንላይን) ከዕብዩ ዝኽእሉሌ ልምዲ ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.