Fana: At a Speed of Life!

ቲዮ ዋልኮት ንባዕሉ ካብ ፀወታ ኩዕሾ እግሪ ኣግሊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ተፃዋታይ ኣርሰናልን ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝን ቲዮ ዋልኮት ኣብ 34 ዓመቱ ንባዕሉ ካብ ፕሮፌሽናል ፀወታ ኩዕሾ እግሪ ኣግሊሉ።

ዋልኮት ንናይቁልዕነት ጋንትኡ ኣርሰናል ልዕሊ 100 ሸቶታት ዘመዝገበ እንትኸውን÷ ኣብ ኩዕሾ እግሪ ህይወቱ 47 ፀወታታት ንሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ተፃዊቱ።

ኣብ 16 ዓመቱ ናብ ኣርሰናል ዝተፀምበረ ዋልኮት÷ ሰለስተ ፅዋዓት እንግሊዝ ኤፍ ኤ ካፕን ክልተ ፅዋዓት ኮሚዩኒቲ ሽልድን ሓዊሱ ካልኦት ክብሪታት ከዕውት ክኢሉ፡፡

ዋልኮት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2006 ዝነበረ ጉጅለ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ኣባል ዝነበረ እንትኸውን÷ እንግሊዝ ምስ ሃንጋሪ ኣብ ዝበረቶ ፀወታ ኣብ 17 ዓመቱ ብምስላፍ ብዕድመ ዝነኣሰ ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ክኸውን ክኢሉ ነይሩ፡፡

ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለያ ጋንታታት 563 ግዘ ክስለፍ ዝኸኣለ ቲዮ ዋልኮት ኣብ 34 ዓመቱ ካብ ፕሮፌሽናል ፀወታ ኩዕሾ እግሪ ንባዕሉ ምግላሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ ምግላፁ ስካይ ስፖርት ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.