Fana: At a Speed of Life!

ታንከራት ጠራቀሚ ማይን ሰብ ሞያ ማይን ብመስመር ጎንደር ሑመራ ናብ ትግራይ ከምዝለኣኸ  ሚኒስቴር ማይን ኤነርጂ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ታንከራት ጠራቀሚ ማይን ሰብ ሞያ ማይን ብመስመር ጎንደር ሑመራ ናብ ትግራይ ከምዝለኣኸ  ሚኒስቴር ማይን ኤነርጂ ኣፍሊጡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ማይን ተተሓሓዝቲ ኣገልግሎታትን ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ሒዞም ከምዝተለኣኹ ገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ካብ ዩኒሴፍ ብሓገዝ ዝተረኸቡ ብሓይሊ ፀሓይ ዝንቀሳቐሱ መስሐቢ ማይ ቱቦታት ብመስመር ወልዲያ ቆቦ ናብ ትግራይ ከምዝተለኣኹ ተሓቢሩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ ምስ ዝርከቡ ሰብ ሞያ ዩኒሴፍ ብምትሕብባር እቶም መስሐቢ ማይ ቱቦታት ህፁፅ ቀረብ ማይ ንዘድልዮም ስራሕቲ ምክፍፋልን እቶም መሳርሒታት ምግጣምን ከምዝግበር እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.