Fana: At a Speed of Life!

ቴሌኮም ሳፋሪኮም ኣብ ትግራይ ዝርገሐ ኔትዎርክ ንምጅማር ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቴሌኮም ሳፋሪኮም ኣብ ትግራይ ዝርገሐ ኔትዎርክ ንምጅማር ኣብ ዘኽእሎ ጉዳይ ጠሚቱ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተዛቲዩ።

ኣብ ኢትዮጲያ ግልጋሎት ቴሌኮም ናይ ምሃብ ፍቓድ ረኪቡ ናብ ተግባር ዝተሰጋገረ ዓለምለኸ ኩባንያ ቴሌኮም ሳፋሪኮም÷ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ዝርግሐ ኔትዎርክን መሰረተ ልምዓትን ንምስላጥ ኣብ ዘኽእሎ ኩነታት ኣድሂቡ ኢዩ ልዝብ ኣካይዱ፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመረራሓ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግርይ ከምዝተረኸቡ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የርድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.