Fana: At a Speed of Life!

ትራምፕ ተኸሲሱ ኣብ ሰኔት ኣሜሪካ ዝቐርብ ሳልሳይ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝኽሰሱ ሳልሳይ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኮይኖም።

እቲ ክሲ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ናብ ቤት ፍርዲ ሰኔት ኣሜሪካ ከቕርቦም ‘ዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ኣብ ስልጣን ናይ ምፅናሕ ዕድሎም ክውስን’ዩ ተባሂሉ።

ባይቶ ኣሜሪካ፥ ትማሊ ስልጣን ብዘይኣግባብ ብምጥቃምን ኮንግረንስ ብምዕጋትን ኣብ ዝብሉ ክስታት ትራምፕ ኣድሚፁ።

ኩሎም ኣባላት ዴሞክራት “እቶም ፕሬዚዳንት ይከሰሱ” ብዝብል እንተድምፁ ኩሎም ኣባላት ሪፐብሊካን ግን ተቓውሞ ከምዘድመፁ ተሓቢሩ።

እቲ ድምፂ ኣብ ዝወሃበሉ ሰዓት፥ ትራምፕ ኣብ ናይ ደገፍ ሰልፊ ተረኺቦም ዘረባ የስምዑ ነይሮም ተባሂሉ።

ኣብ ሚቺጋን ኣብ ዝነበረ ሰልፊ ንዝተኣከቡ ሰባት፥ “ንሚቺጋን ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ኣብ እንቃለሰሉ እዋን ፀጋማውያን ኣባላት ኮንግረስ ግን ብቅንኢ፣ ፅልኣትን ቁጥዐን ተወጢሮም እንታይ ይገብሩ ከም ዘለው ትርእዩ ኣለኹም” ኢሎም።

ቤት ፅሕፈት ቤተመንግስቲ ኣሜሪካ (ዋይት ሃውስ) ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ እቶም ፕሬዚዳንት ብቤት ፍርዲ ሰኔት ካብ ተሓታትነት ናፃ ከም ዝኾኑ ይፈልጥ ምንባሩ ገሊፁ ኣሎ።

ትማሊ ኣብዚ ጉዳይ ድምፂ ንምሃብ ዝተኣከቡ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ፥ ን10 ሰዓት ሙሉእ ድሕሪ ምክታዕ እዮም ነቲ ክሲ ኣፅዲቖም።

ትራምፕ መዝነቶም ብዘይኣግባብ ተጠቒሞም’ዮም ንዝብል ክሲ 230 ን 197 እንተድምፁ፥ ኮንግረስ ብምዕጋት ንዝብል ክሲ ድማ 229 ን198 ኣድሚፆም።

ኣብ ታሪክ እታ ሃገር፥ ኣንድሪው ጆንሰንን ቢል ክሊንተንን ተኸሲሶም እዮም።

ዶናልድ ትራምፕ ድማ ኣካል እዚ ታሪኽ ኮይኖም ኣሎዉ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.