Fana: At a Speed of Life!

ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ባህሪ ኢትዮጵያ ልዕሊ 32 ቢሊየን ብር ኣታዊ ኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ልዕሊ 32 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝኣከበ ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ባህሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካ በሪሶ ኣመሎ (ዶ/ር)÷ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብፍላይ ኣገልግሎት ኣብ ምስፋሕን ተበፃሕነት ኣብ ምድንፋዕን ፍሉይ ጠመተ ተገይሩ ከምዝተሰርሐ ገሊፆም።

በዚ ድማ ሓፈሻዊ መጠን ኣገልግሎት ኦፕሬሽን እቲ ትካል 4 ሚሊየን 85 ሺሕን 765 ቶን ንምብፃሕ ተሓሲቡ 4 ሚሊየን 131 ሺሕን 929 ቶን ብምብፃሕ ልዕሊ ትልሙ ከምዝፈፀመ ገሊፆም።

ብኣገልግሎት ምጉዕዓዝ ፅዕነት እቲ ትካልን ናይ ክራይ መርከባትን ብምጥቃም 2 ሚሊየን 885 ሺሕን ቶን ብምጉዕዓዝ ልዕሊ ትልሚ ተሳሊጡ ኢሉ።

ብመሰረት እዚ ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 32 ቢሊየን ብር ኣታዊ ምእካቡ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝተፀርሑ ኣዋርሕ ብኣገልግሎት ምምሕልላፍ ፅዕነት ኣቢሉ ብስርዓት ትራንስፖርት መልቲሞዳል 66 ሺሕን 194 ኮንተይነራት ንምጉዕዓዝ ተሓሲቡ 70 ሺሕን 742 ኮንተይነራት ብምጉዕዓዝ ዕዉት ስራሕ ከምዝተሰርሐ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.