Fana: At a Speed of Life!

ትንሳኤ ኣብ መንጎ ተስፋ ዘቑርፁ ዝመስሉ ኩነታት ዝተረኸበ በስራት ኢዩ – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትንሳኤ ኣብ መንጎ ተስፋ ዘቑርፁ ዝመስሉ ኩነታት ዝተረኸበ በስራት ኢዩ  ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር በዓል ትንሳኤ ምኽኒያት ብምግባር ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም፥ ትንሳኤ “ምልዓል” ወይ “መሊስካ ደው ምባል” ኢዩ ኢሎም።

ትንሳኤ ካብ ውርደት ናብ ክብሪ፣ ካብ መርገም ናብ በረከት፣ ካብ ምስኣን ናብ ምርካብ፣ ካብ ሞትን ጎስቅልናን ናብ ሓዱሽ ህይወትን ልዕልናን ብምሽግጋር ባዕልኻ ክኢልካ ፀኒዕኻ ደው ምባል ዘምህረና ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ከም ሃገር ንዘበናት እናተንከባለሉ ብዝመፅኡ ዕዳታት ምኽኒያት፣ ካብ ውሽጥን ግዳምን ሓይሊታት ብዘነፃፀሩላ ፀገማት እናተፈተነት ክምዝፀንሐት ሓቢሮም።

ንሕማማ ዝሕክም፣ ፆራ ዝፆር፣ ክብራ ዝምልስ ትውልዲ ስለዘድለየ ብብዙሕ መስዋእቲ ለውጢ ከምዝተወለደ ገሊፆም።

ነቲ ለውጢ ስዒቡ ዝፀልመተ ዝመስል ብብርሃን እናደመቐ፣ ልቋም እናተፈትሐ፣ ገደል እናተደላደለ፣ ማዕበል እናሰኸነ ምኻዱ ኩላህና እናረጋገፅናዮ ዘርከብ ሓቂ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ዘጋጥሙዋ ዘለዉ ፈተናታት በምፅዋር ብተዓዋታይነትን ክብሪን ከምእትሳገር ካብ ትንሳኤ ክንመሃር ይግበአና ክብሉ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.