Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያን ህንዲን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ጥምረት ኣጣይሾም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትካላት ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያን ህንዲን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ጥምረት ኣጣይሾም።

ንዘሓለፉ ተኸታተልቲ ሓሙሽተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ኤክስፖ ምትእስሳር ዕዳጋ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኢትዮ-ህንዲ ተዛዚሙ።

ብመሰረት እዚ ምትእስሳር ዕዳጋ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ንምፍጣርን ሽግግር ቴክኖሎጂ ንምግባርን ዓሊሙ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈፀመ ስምምዕነት ናብ ተግባር ከምዝኣተወ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ 25 ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ ህንዲ ምስ 57 ሰብ ሞያታትን ትካላትን ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ጥምረት ከምዘጣየሹ  ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

እቲ ጥምረት ውፅኢታዊ ንክኸውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገብር እውን እቲ ሚኒስቴር ሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.