Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ኮሚኒኬሽን መንፈስ እቲ ስምምዕነት ሰላም ብምስዓብ ሓበሬታታት ተበፃሒ ኣብ ምግባር ዝጠመተ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ፌዴሪኢ ምስ ሓለፍቲን ሰሙያን ኮሙኒኬሽን ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዘድሃበ ዘተ ኣካይዱ።

እቲ ዘተ፥ ትካላት ኮሚኒኬሽን መንፈስ ስምምዕነት ሰላም ብምስዓብ ሓበሬታታት ተበፃሒ ኣብ ምግባር ዝጠመተ ኢዩ።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ እተን ትካላት መትከላትን ድንጋገታትን እቲ ስምምዕነት ሰላም መሰረት ዝገበረ ናይ ምርድዳእ ስራሕ ንክሰርሓ ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ህዝቢ እዋናዊን ቅኑዕን ሓበሬታታት መንግስቲ ንክረክብ ኣብ መሓውር ኮሚኒኬሽን ክፍፀሙ ካብ ዝግበኦም ጉዳያት ብተወሳኺ   ጎንፂ ዝውልዒን ዘረባታት ፅልኣትን ብዘወግድ ኩነታት ዘተ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር እቲ ኣገልግሎት ዶክተር ለገሠ ቱሉ÷ ዘግበሩ ስራሕቲ ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ደንጋገታት ስምምዕ ሰላም ዘኽበሩን ሕውነት ህዝብታት ዘጠናኽሩን ክኾኑ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ዝተናበቡ፣ ቅኑዓትን እዋናዊን ሓበሬታታት ነህዝቢ ተበፃሒ ብምግባር ድልየት ባህጊ ሓበሬታ ህዝቢ ዘረጋግፅ ስራሕ ክስራሕ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.