Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ግልጋሎት ኣውቶብስ ኣንበሳን ሸገርን ንተገልገልቲ መሕፀቢ ኢድ ከቕርባ ኢየን – ኢ/ር ታከለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ግልጋሎት ኣውቶብስ ኣንበሳን ሸገርን ፅሬት ተሳፈርቲ ንምሕላው ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም ንመሕፀቢ ኢድ ዝኸውን ኣለኮል ከምዘቕርባ ምክትል ከንቲቫ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ገሊፆም።

ገናሕቲ መኪና ናይተን ትካላት ናይ ኢድ ጓንቲ ዝጥቀሙ እንትኾኑ፥ ተሳፈርቲ ናብተን ኣውቶቡሳት እንትኣትዉ እተን ትካላት ዘቕርበኦ መናፅሂ ኢድ ኣልኮል ኣብ ኢዶም ብምግባር ከኣትዉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣግባብ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ዝገብሩ ነጋዶ ንምቁፃፅር ዝተጣየሸ ግብሪ ሓይሊ ድማ ኣብታ ከተማ ልዑል ምቁፅፃር እናካየደ ከምዝርከብ እቶም ምክትል ከንቲቫ ገሊፆም።

ዓቕሚ ዘይብሎም ከምኡ እውን ማይን ፅሬቶም ዝሕልዉሎም ኣቕሑት ክረኸቡ ንዘይኽእሉን ሰባት ናይ ህዝቢ ኣገልግሎት ወሃብቲን ግዱሳት ገበርቲ ሰናይ ኣካላትን ብዝተኽኣሎም መጠን ንኽሕግዙ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.