Fana: At a Speed of Life!

ትካል ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ኣባላ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዶብ ተሳጋሪ ገበናት ተዋዲድካ ኣብ ምክልኻል ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላ ሃገራት ትካል ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካ ዶብ ተሳጋሪ ገበናት ተዋዲድካ ኣብ ምክልኻል ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ተሓቲቱ።

መበል 25ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ትካል ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ኣባላ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ 14 ጥቅምቲ2016 ዓ.ም ከምዝካየድ ተሓቢሩ።

ሓላፊ መምርሒ ብሄራዊ ኢንተርፖልን ዓለም ለኸ ምትሕብባር ፖሊስን ኢትዮጵያ ሓጋዚ ኮሚሽነር ደጀኔ በቀለ÷ መበል 25ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ኣባላ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ብኣሰናደእነት ቡሩንዲ ኣብ ቡጁምቡራ ከምዝካየድ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኩሎም ኣዘዝቲ ፖሊስ ትካል ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ኣባላ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካን ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምዝሳተፉ ካብ ፖሊስ ፌደራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.