Fana: At a Speed of Life!

ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ 33 መኻይን ቢሮን ካልኦት ናውቲን ንክልል ትግራይ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (USAID) ንቢሮ ዘገልግላ 33 መኻይንን 10 ነጥቢ 6 ሚሊየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ካልኦት ናውቲን ንቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓገዝ ገይሩ።

ተወከልቲ እቲ ትካል፥ ኣብ ቀፅሪ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ተረኺቦም ምስ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ርኽክብ ኣካይዶም።

እተን ተሸከርከርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕቲ ጥዕና ተዋፊረን ዝነባራን ኣብ ፅቡቕ ቁመና ዝርከባን ከምዝኾና ተገሊፁ።

እቲ ሓገዝ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ሕፅረት ተሸከርከርቲ ኣብ ምቀርላል ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለወን ተባሂሉ።

ዩ ኤስ ኤ ኣይ ዲ ኣብ ትግራይ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘጋጠመ ጉድኣት ንምምላስ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ፋሲካ አምደስላሴ ኣብ ትግራይ ብዙሓት መኻይን ከምዝጠፍኣን ከምዝተጎድኣን ብምሕባር፥ ካብ ዝነበራ 270 ኣምቡላንሳት ኣብዚሕዚ እዋን ኣብ ስራሕ ዝርከባ እተን 50 ጥራሕ ከምዝኾና ብኣብነት ኣብሪሆም።

ብመንፅር ዝበፅሐ ጉድኣት እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣዚዩ ንእሽተይ ከምዝኾነን ተወሳኺ ሓገዝ ከምዘድሊን ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ይኹን እምበር ዝተገበረ ሓገዝ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ተዛሪቦም።

ዓቕሚ ዘለዎም መሓዙት ትካላት፣ ይምልከተና ዝብሉ ኣካላት፣ ውልቀ ሰባትን ሰብ ሃፍቲን ስርዓት ጥዕና እቲ ክልል ንምስትኽኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብዝኸኣሉዎ ካብ መድሓኒት ጀሚሩ ካልኦት ዓበይቲ ሓገዛት ንኸበርክቱ ፃውዒት ምቕራቦም ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.