Fana: At a Speed of Life!

ትካል ገባሪ ሰናይ ትእምት ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ዝውዕል 100 ሚልዮን ብር ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ገባሪ ሰናይ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት)  ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ዝውዕል 100 ሚልዮን ብር ኣበርኪቱ።

እቲ ሓገዝ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተረኪቦምዎ።

“ትካላት ትእምት ካብ ዝነበረን ዕንወት ወፂአን ኣትረፍቲ ኣብ ዝኾናሉ እዋን ተረባሒ ክኸውን ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ እዩ” ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ÷ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ተመዛበልቲ እናጋጠመ ዝርከብ ከቢድ ጥሜትን ሞትን ንምምንካይ ዝተገበረ ሓገዝ ንኢዶም።

ብሰንኪ ኲናት ተመዚቢሎም ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ከቢድ መነባብሮ ዝመርሑ ዘለው ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ÷ ትእምት ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል እውን ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.