Fana: At a Speed of Life!

ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ 70 ሜትሪክ ቶን እታዎት ሕክምናን መድሓኒትን ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ 70 ሜትሪክ ቶን እታዎት ሕክምናን መድሓኒትን ደገፍ ከምዝገበረ ጨንፈር ሽረ እቲ ትካል ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ደገፍ ብምክንያት እቲ ኵናት ዝዓነዋ ትካላት ጥዕና መሊስካ ንምህናፅን ፀገማት እታዎት ምቕራፍን ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ፡፡

መተሓባበሪ እቲ ትካል ጨንፈር ሽረ ዶክተር ቦኒፌሴ ኣምባኒ ከምዝገለፁዎ፤ ትካላት ጥዕና ንምጥንኻር ተሓሳቢ ብምግባር ኣብ ክልላት  ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ደገፋት ተገይሮም እዮም፡፡

እቲ ናይ ሎሚ ደገፍ ን1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ስሩዕ ግልጋሎት ጥዕና ንምብፃሕ ዝተለመ ከምዝኾነ እዮም ዝገለፁ፡፡

መተሓባበሪ ዞባ ምዕራብ ሰሜን  ሱራፌል ኣርኣያ ብግደኦም፥ ናይቲ ከባቢ ጥዕና ግልጋሎት ኣወሃህባ ንምምሕያሽ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር ንዙይ ስራሕ እውን ይሕግዝ እዩ ኢሎም።

ብኣፈወርቅ እያዩ

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.