Fana: At a Speed of Life!

ትዊተር ናይ ኢትዮጵያውያን፣ ራውያንንን ሓቂ ንዓለም ንምፍላጥ ዝሰርሑን ኣካውንታት ይዕፍን ኣሎ ክብሉ ጋዜጠኛታት ቅሬታ ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ትዊተር ናይ ኢትዮጵያውያንን ራውያንን ከምኡ እውን ፈተውቲ ኢትዮጵያ ናይ ዝኾኑን ሓቂ ንዓለም ንምፍላጥ ዝሰርሑ ኣካውንታት ብምእጋድ ድምጾም ይዕፍን ኣሎ” ክብሉ ጋዜጠኛታትን ኣንቃሕቲ ማሕበረሰብን ቅሬታ ኣቕሪቦም።

መቐመጢኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምግባር ብሞያኣ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ኣቢሉ ንኢትዮጵያ ዕዙዝ ሓገዝ እናገበረት ዝፀንሐት ጋዜጠኛ ሄርሜላ ኣረጋዊ፥ “ትዊተር ኣብ ሓሳብ ኢትዮጵያውያን ዒላማ ብዝገበረ መልክዑ ኣፊኑ ኢዩ” ክትብል ቅሬታኣ ገሊፃ፡፡

ኣብ ኣርትራ መንቅሒ ማሕበረሰብን ፈታዊ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኾነ ስምኦን ተስፋማርያም ብግድኡ፥ ትዊተር እናፈፀሞ ዝርከብ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኣብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ አእምነት ክስእን ምግባሩ ገሊፁ፡፡

“ትዊተር ኣብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ተሳተፍቲ ብምዃን ሓቂ ሃገሮም ንምቕላዕ ዝንቀሳቐሱ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ከምኡአ እውን ድምፂ ደገፍቶም ኣካውንቶም ብምዕፃው ዓፊኑዎም ኢዩ” ኢሉ፡፡

እቶም ዝተኣገዱ ኣካውንታት ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኹንኑ ከምዝነበሩ እውን ተሓቢሩ፡፡

እቶም ኣካውንታት፥ ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን ተቓውሞኦም ዘስምዑን #Nomore “የኣክል” ብዝብል ሃሽታግ ብዙሓት ክፋላት ማሕበረሰብ ብምብፃሕን ብምንቃሕን ፅንቶ ዝፈጠሩ ክምዝነበሩ ተገሊፁ፡፡

መንግስቲ ፌዴሪኢ፥ “ትዊተር ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝድግፉን ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘቃልዑን ኣካውንታት ዒላማ ብምግባር ዓፂዩ ኢዩ” ዝብል እምነት ክምዘለዎ ምግላፁ ይፍለጥ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.