Fana: At a Speed of Life!

ትውልደ ኢትዮጵያዊት ናኦሚ ግርማ ተዓዋቲት ሽልማት ብሉፃት ተፃወትቲ 2023 ኣሜሪካ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ሳን ዲያጎ ዌቭ እናተፃወተት ትርከብ ትውልደ ኢትዮጵያዊት ናኦሚ ግርማ ተዓዋቲት ሽልማት ብሉፃት ተፃወትቲ 2023 ኣሜሪካ ኮይና፡፡

በዚ ድማ ጓል 23 ዓመት ኦሚ ኣብ ታሪኽ ኩዕሾ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣሜሪካ ፈላመይቲ ተኸላኻሊትን ካለአይቲ ፀላምን ተዓዋቲት ብልፅቲ ተፃዋቲት ክትከውን ክኢላ፡፡

ናኦሚ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኣሜሪካ ኣብ 2023 ዘካየደቶም 16 መፃረዪ ፀወታታ ፅዕ ዓለም ፊፋ ክፍሊ ምክልኻል እታ ሃገራዊት ጋንታ ብብቕዓት ምምራሓ ተገሊፁ፡፡

ናኦሚ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2021 ጀሚራ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኣሜሪካ ኣብ ክፍሊ ምክልኻል እናተፃወተት ትርከብ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.