Fana: At a Speed of Life!

ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት 10 ማእኸላት መውሃብቲ ኣገልግሎት ሜካናይዜሽን ግብርና ክህነፁ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት 10 ማእኸላት መውሃብቲ ኣገልግሎት ሜካናይዜሽን ግብርና ከምዝህነፁ ተገሊፁ።

እቶም 10 ማእኸላት መውሃብቲ ኣገልግሎት ሜካናይዜሽን ግብርና፥ ብ91 ሚሊየን ብር ንምህናፅ ዘኽእል ስምምዕነት ትማሊ ተኸቲሙ።

እቲ ሰነድ ስምምዕነት ኤጄንሲ ትራንስፎርሜሽን ግብርና ኢትዮጵያ፣ 8 ማሕበራት ሕብረት ስራሕን ክልተ ኤጄንሲታት ፈጠራ ዕደል ስራሕን ብሓባር ብምዃን ኢዮም ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

እቶም ማእኸላት ኣብ ክልል ትግራይ፣ ደቡብ፣ ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝህነፁ እንትኾኑ፥ 70 ሚኢታዊ ነቲ ህንፀት ዝወፅእ ወፃኢ በቲ ኤጄንሲ ከምዝሽፈን ተገሊፁ።

ዝተረፈ 30 ሚኒታዊ ድማ በተን ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ክሽፈን ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.