Fana: At a Speed of Life!

ትግራይ ንቅድሚት ንክትስጉም ብሉፃት ስራሕቲ ዓቂብና ካልኦት ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ክልወጡ ክንገብር እንተኽእልና እዩ-ዶ/ር ደብረፂዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ) ትግራይ ንቅድሚት ክትስጉም ትኽእል ኩሉ ናይ ቀደም እናደገምና እናደጋገምና ብምስራሕና ዘይኮነስ፣ ብሉፃት ስራሕቲ ዓቂብና ካልኦት ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ክልወጡ ክንገብር እንተኽእልና እዩ ክብሉ መክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብ ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ልዑል ቆላሕታ ሂብካ ምስራሕ ተረካቢ ትውልዲ፣ካብ መረከቢ ብሉፅ ክኸውን፣ህዝብና ንቕድሚት ክስጉም ናይ ምግባር ጉዳይ’ዩ። ትግራይ ናብ ዝበረኸ ክትድይብ፣ናብራን ህይወትን ትግራዋይ ናብ ሓዱሽ ምዕቡል ምዕራፍ ናይ ምስግጋር ነጥበ መቐይሮ ዝኾነ ውሳነ’ዩ።…ትግራይ ንቅድምት ክትስጉም ትኽእል ኩሉ ናይ ቀደም እናደገምና እናደጋገምና ብምስራሕና ዘይኮነስ፣ ብሉፃት ስራሕቲ ዓቂብና ካልኦት ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ክልወጡ ክንገብር እንተኽእልና እዩ።

ከምዝፍለጥ ናይ ኩሉ ነገር ሰብ’ዩ። በዝሒ ሰብ ዓብይ ሃፍቲ እኳ እንተኾነ፣እቲ ዝምረፅ ካብ ሰብ እውን ዓይነት ሰብ’ዩ፤ ኩለመደያዊ ፍልጠት ዘለዎ ብቁዕ ሰብ ወሳኒ’ዩ።ካብ ሽግር ንምውፃእ ይኹን ንቕድሚት ብስሉጥ ንምስጓምን ንምምዕባልን ዝበቕዐ ሰብ ልዕሊ ኩሉ ወሳኒ’ዩ።ካብ ውልቀ ሰብ ሓሊፉህዝቢ ከም ህዝቢ ብቑዕ እንተኾይኑ፣ ወናኒ ሳይንስን ቴክኖሎጂን እንተኾይኑ ካብ ሽግራት ንምውፃእ ዘይሕርብቶ፣ብስሉጥ ዝግስግስን ዝምዕብልን፣ ብዝኾነ ናይ ግዳም ሓይሊ ዘይድፈርን ዝኽበርን ህዝብን ይኸውን።
ስለዝኾነ እውን ንህልውናናን ቀፃሊ ምዕባለ ትግራይ ወሳኒ ብምዃኑ ተሓጋግዝና ክንወፍር፣ መደባትና ክነዐውትን ይግባእ።

…ዘለናሉ እዋን ናይ ዓብይ ርብርብ እዋን ስለዝኾነ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ናይ ዓዱ ልምዓት ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባን ምርድዳእን ክሕዝን፣ካብ ኩሉ ግዜ ብዝለዓለ ወነን ሓቦን ክለዓል ይግባእ፤
ኣብዚ ዘለናሉ መድረኽ ካለኦት ክነዐውቶም ዝግብኡ ውራያት እውን ኣለውና።ሰላም፣ ድሕንነትን ረብሓን ህዝብና ንምርግጋፅ፣ትግራይና ብኹሉምሉ ክንልውጥ ክንሰርሕ፣ ክንለፍዕ ኣለና።ኩሉ ትግራዋይ ክውደብ፣ሓድነቱ ከስጥም፣ብጥንቃቐ፣ ብውሕልነት፣ብፅንዓትን ብምትሕግጋዝን ዘጋጥሙና ፀገማት ሰጊርና ናብ ዝለዓለ ምዕባለ ክንግስግስ ይግባእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.