Fana: At a Speed of Life!

ቻይና መፍረያይነት ሕርሻ ንምድንፋዕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺ ከምትቕፅል ገሊፃ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር መፍረያይነት ሕርሻ ንምድንፋዕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺ ከምትቕፅል ኣብ ብሄራዊ ኮንግረስ ፓርቲ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕርሻን ገፀርን ገሊፆም።

ምክትል አፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ በዶ ምስ ኣባላት ፓርቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕርሻን ገፀርን ብሄራዊ ኮንግረስ ቻይና ተዛቲየን።

ኣብቲ እዋን ዘተ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ካብ እዋን ናብ እዋን እናጎልበተ ምምፅኡ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መሰረተ ልምዓት፣ ሕርሻ፣ ትምህርቲን ጥዕናን ሓዊሱ ብኹሉ መዳይ ትገብሮም ሓገዛት ተጠናኺሮም ከምዝቐፀሉ ተላዒሉ።

ምክትል ኣፈ-ጉባኤ ሎሚ በዶ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ቻይና ቁልፊ መሓዛ ልምዓት ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ተርእዮ ምትሕብባር ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ልምዓት ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ዘደንፍዕ ኢዩ።

ኣካቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ዱ ጂሃኦ ብግደኦም÷ ሃገሮም ሕርሻ ብምዝማን መፍረያይነት ንምዕባይ ዝወሰደቶም ስጉምቲታት ኣብሪሆም።

ቻይና ብክላስተር ብምሕራስን መካናይዜሽን ሕርሻ ብምጥቃምን ፍርያታት ብበዝሒን ብፅሬትን እናፍረየት ትርከብ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ዓመታት ክፍለ-ኢኮኖሚ ሕርሻ ንምድንፋዕ እናወገነቶ ትርከብ ስራሕ ዝነኣድ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ቻይና መፍረያይነት ሕርሻ ንምድንፋዕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺ ከምትቕፅል ምርግጋፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.