Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ዲፕሎማሲ ምትሕብባር ኩሉ እዋን ቅድሚት ከምትህቦ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ኣብ ዲፕሎማሲ ቅድሚት ትህቦ ጉዳይ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ዲፕሎማሲ ምትሕብባር ከምዝኾነ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ዋንግ ዪ ገሊፆም።

ዋንግ ዪ እዚ ዝበሉ፥ ኣብ ቤጂንግ ኣብ ተኸበረ መበል 58 በዓል “መዓልቲ ኣፍሪካ” ኢዩ፡፡

“መዓልቲ ኣፍሪካ ንኣፍሪካ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ንሓድነትናን ምትሕብባርናን ዘንፀባርቕ ናትና መዓልቲ እውን ኢዩ” ኢሎም እቶም ሚኒስትር፡፡

ቻይናን ኣፍሪካን ሉኣላውነተንን ናፅነተንን ኢሉ እውን ንኽብረን ከምዝቃለሳ ዝገለፁ እቶም ሚነሲትር፥ ኣብ ቀፃሊ እውነ ብምትሕግጋዝ ረብሐአንን ናይ ምልማዕ ድሌተንን ከዕውታ ኢየን ኢሎም፡፡

ለበዳ ኮቪድ-19 ብብርኪ ዓለም ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ቻይናን ኣፍሪካን እቲ ለበዳ ንምፅዋር ብሓባር ከምዝሰርሓ እውን ኣዘኻኺሮም፡፡

”ኢኒሼቲቭ ቤልት ኤንድ ሮድ” ርክብ ቻይናን ኣፍሪካን ሱር ንኽሰድድ ዘኽአለን ውፅኢታዊ ፕሮጀክት ከምዝኾነን ዋንግ ዩ ኣብ መደረኦም ኣልዒሎም፡፡

ርክብ ቻይና-ኣፍሪካ ናብ ዝለዓ ብርኪ ክዓቢ ከምዝግበኦን ኣብ ዓለም ለኸ ጉዳያት ብተግባር ክንፀባረቕ ከምዝግበኦን ምግላፆም ሲጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.