Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ብናይ ባዕላ መገዲ ብኽለት ከባቢ ንምንካይ ክትሰርሕ ኢያ – ሺ ጂንፒንግ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ብናይ ባዕላ መገዲ ብኽለት ከባቢ ንምንካይ ከምትሰርሕ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ሺ ጂንፒንግ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግ እዚ ዝበሉ÷ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምፅዋር ቅልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ ኣብቲ ጉዳይ ልኡኽ ኣሜሪካ ዝኾኑ ጆን ኬሪ መተሓሳሰቢ ምሃቦም ስዒቡ ኢዩ፡፡

ልኡኽ ኣሜሪካ ክሌማዊ ለውጢ ጆን ኬሪ÷ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሊ ቺያንግን ላዕለዋይ ዲፕሎማት ዋንግ ዪን ከምዝተዛተዩ ሲ ኤን ኤን ፀብፂቡ፡፡

ጆን ኬሪ ኣብቲ እዋን÷ “ቻይና ኣብ ዘፈር ሓይሊ ካብ በከልቲ ንጥረ ነገራትን ሚቴን ጋዝን ናፃ ክትገብር ኣለዋ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም ኢዮም፡፡

እቶም ልኡኽ ቻይና ጨፍጫፍ ደኒ ክትንኪ ኣለዋ እውን ኢሎም ነይሮም፡፡

ፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግ÷ ብዝተቐመጠ ገደብ ልቀት መሰረት ብምግባር ቻይና ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2030 መጠን ልቀት በካሊ ጋዝ ከምተስተኻኽል ኣብሪሆም፡፡

“ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2060 ድማ ኣብ ንብረት ኣየር በካሊ ጋዝ ዘይትለቅቕ ሃገር ከምትኸውን ከረጋግፀልኩም ይደሊ” ክብሉ ኣብ ቻይና እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ሓለዋ ከባቢ ተዛሪቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.