Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ኣብ ከባቢ ታይዋን ወተሃደራዊ ልምምድ ምግባር ጀሚራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ኣብ ከባቢ ታይዋን ወተሃደራዊ ልምምድ ነፈርቲን ባሕሪን ምግባር ጀሚራ።

እቲ ልምምድ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ሓዱሽ ፕሬዚዳንት ቻይና ኣብ እዋን ሹመቶም ሉእላውነት ታይዋን ክሕሉ ኢየ ብምባል ቃል ምእታዎም ስዒቡ ዝተወሰደ ልምምድ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ታይዋን ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ዝተሳለጠ ሃገራዊ ምርጫ ብምዕዋት ናብ መንበረ ስልጣን ዝመፅኡ  ፕሬዚዳንት ታይዋን ሌይ ችንግ ቲ፥ ታይዋን ካብ ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ቻይና ናፃ ክነውፅኣ ኢና ምባሎም ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ቻይና ናይ ቃላት ምላሽ ክትህብ ፀኒሓ ኢያ።

ሐዚ ድማ፥ ኣብ ከባቢታት ኪንመን፣ ማሱን ዶንጊዮንን ዝበሃሉ ዴሴታት ታይዋን ወተሃደራዊ ልምምድ ትገብር ከምዘላ ኒዮርክ ታይምስ  ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.