Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ክሳብ ሕዚ 5 ሚሊየን ክታበት ኮቪድ-19 ንኢትዮጵያ ለጊሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ክሳብ ሕዚ 5 ሚሊየን ክታበት ኮቪድ-19 ንኢትዮጵያ ከምዝለገሰት ኣፍሊጣ።

ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ 5 ሚሊየን ክታበት ካብ ምልጋስ ሓሊፉ ኢትዮጵያ ብዕድጊት ክታበት ንኽትረክብ ናየ ምምዕርራይን ኣብ ባዕቐፍ ኮቫክስ እውን 2 ሚሊየን ዝኸውን ክታበት ክትረክብ ከምዝተገበረ ኣመልኪቱ።

እቲ መግለፂ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ቻይና ኣፍሪካ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ኣብ ቀጣሊ 1 ቢሊየን ክታበት ኮቪድ-19 ንኣፍሪካ ከምትህብ ቃል ኣቲዮም ከምዝነበረ ኣዘኻኺሩ።

ቻይና ዝኣተወቶ ቃል ክትሕሉ ኢያ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ለበዳ ሕማም እናተስፋሕፈሐ ምምፅኡ ስዒቡ ቃል እቶም ፕሬዚዳንት ብቕልጡፍ ብምትግባር ቶሎ ክታበት ንኸትረክብ ክግበር ኢዩ ኢሉ።

እዚ ሓገዝ ድማ ኢትዮጵያ ዝርገሐ እቲ ለበዳ ንምፅዋር ዘኽእል ዓቕሚ ከምዝፈጥረላ ኣመልኪቱ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.