Fana: At a Speed of Life!

ነበርቲ ዞባ ሰሜን ሸዋ ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 40 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ነበርቲን ምምሕዳርን ዞባ ሰሜን ሸዋ ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 40 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ገይሮም።

እቲ ሓገዝ ካነበርቲ፣ ዞባ፣ ምምሕዳር ከተማን ወረዳን ዝተኣከበ እንትኸውን÷ 59 ናይ ማሕረዲ ሰንጋታት፣ 981 ኣባጊዕን ኣጣልን ሓዊሱ ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሓገዛትን ዘካተተ ኢዩ፡፡

ሓላፊ መምርሒ ገንዘብ ዞባ ሰሜን ሸዋ እንግዳሸት በጋሻው እቲ ሓገዝ ዘረከቡ እንትኾኑ÷ እቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ድማ ምክትል ኣመሓዳሪን ሓላፊ መምርሒ ትምህርቲን ዞባ ሰሙን ወሎ ኣስማሜ ኢዮም፡፡

እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምግላፁ ካብ ቤት ፅሕፈት ዞባ ሰሜን ሸዋ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.