Fana: At a Speed of Life!

ነበርቲ ዞባ ኣላባ ንሳልሳይ ግዘ ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ዞባ ኣላባ ንሳልሳይ ግዘ ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ገንዘብን ዓይነትን ገይሮም።

ምምሕዳር ዞባ ኣላባ ካብ ነበርቲን ሰራሕተኛታት መንግስቲን ዘተኣኻኸቦ 4 ሚሊየን ብር፣ 172 ሰንጋታትን 39 ኣባጊዕን ኣጣልን፤ ኣመራርሓታት ሰራዊትን እቲ ዞባን፣ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ንመተሓባበሪ ኮሚቴ ሰራዊት ምክልኃል ኣረኪቡ፡፡

እቲ ሓገዝ ዘረከቡ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ኣላባ ዶክተር መሓመድ ኑርዬ፣ ነበርቲ እቲ ዞባ ብሓፈሻ 26 ሚሊየን 750 ሺሕ ብር ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ከምዝገበረ ኣፍሊጦም፡፡

ሓይሊ ግብረ ራዕዲ ክሳብ ዝውገድ ነቲ ሰራዊት ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ገሊፆም፡፡

እቲ ሓገዝ ዘተረከቡ ኣካቢ ኮሚቴ መተኣኻኸቢ ሓገዝ ሰራዊት ምክልኻል ብርጋዴር ጄነራል ኣስረስ ኣያሌው፥ ሕብረተሰብ ንሰራዊት ምክልኻል ዝገበሮ ሓገዝ ምስጋና ምቕራቦም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከመከላከላያ ሰራዊት ያገኘነው መረጃ ያመለክታል፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.