Fana: At a Speed of Life!

ነበርቲ ደርሳ ጊታ እቲ ጁንታ ወራር ፈፂሙ ኣብ ዝፀንሐሎም እዋናት ልዑል ጉድኣት ከምዘብፀሐ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ኣደኣር ነበርቲ ደርሳ ጊታ እቲ ጁንታ ወራር ፈፂሙ ኣብ ዝፀንሐሎም እዋናት ልዑል ጉድኣትን ዕንወትን ከምዘብፀሐ ተዛሪቦም።

ኣብ ክልል ዓፋር ብዝተፈላለዩ ከባቢታት ጁንታ ሸሊኹ ብምእታው ወራር ኣብ ዝፈፀመሎም ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት፣ ኣብ ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታትን ንብረት ውልቀ ሰባትን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ትካላት ሃይማኖት ጉድኣትን ዕንወትን ምብፅ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ደርሳ ጊታ እውን ብተመሳሳሊ ጁንታ ኣብ ልዕሊ ህይት ሰብ ካብ ዘብፀሖ ጉድኣት ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ትካላትን ንብረት ውልቀ ሰባትን ስርቂን ልዑል ዕንወት ፈፂሙ ኢዩ።

ጉድኣት ዝበፅም ነበርቲ እቲ ከባቢ እውን እቲ ጉጅለ ዝፈፀመልና ጉድኣት ወዲ ሰብ ክፍፅሞ ኢዩ ተባሂሉ ዘይግነት ኣዚዩ ዘስካሕኽሕ ኢዩ ኢሎም።

በዚ ከምዝሓዘኑ ብምግላፅ፥ ብልዑል ቃልሲን መስዋእቲን ወገን ጦር ዓወት ሓፊሶም ንደርሳ ጊታ ብምቁፅፃሮም ሓጎስ ከምዝተሰመዖም ምግላፆም ካብ መራኸቢ ሓፋሽ ዓፋር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.