Fana: At a Speed of Life!

ነበር ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፓኪስታን ብገበን  ምጥሓስ ምሽጥራዊ ሕጊ ሃገር ተኸሲሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን ኢምራን ካን ን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ነበር ንሼኽ ሙሃመድ ኩሬሺን ብገበን  ምጥሓስ ምሽጥራዊ ሕጊ ሃገር ተኸሲሶም።

ዳይና ፍሉይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ሃስናት ዙልቃርኒያ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብ መዚ ዝቐረበ ክሲ መረዳእታ ብምሕባእ ብዝብል ከምዝፅዋዕ ገሊፆም።

እቶም ሰብ መዚ ካብ ኣፍልጦ ህዝቢ ወፃእ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምዃን ምቅይያር መረዳእታ ምግባሮም ስዒቡ ዝተመስረተ ክሲ ከምዝኾነ አወን ኣብሪሆም።

እቶም ሰብ መዚ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣምባሳደራቶም ምስ ክልተ ላዕለዎት ሰብ መዚ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ድሕሪ ምርኻቦም ዝተለዋወጥዎ ሚስጢራዊ ዲፕሎማሲያዊ ዶክመንት ነቲ ክሲ መበገሲ ከምዝኾነ ኣርቲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.