Fana: At a Speed of Life!

ናህሪ ዋጋ ናብ 23 ነጥቢ 3 ሚኢታዊት ከምዝነከየ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ  ዝነበረ ናህሪ ዋጋ ናብ 23 ነጥቢ 3 ሚኢታዊት ከምዝነከየ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ ንምግቢ ዝውዕሉ ጥረ ኣቑሑ በቢእዋኑ ይውስኹ ስለዘለዉ ብወገን መንግስቲ ብውሑዱ ዝውስኽ ዘሎ መጠን ንምቕናስ ፈተነ ይግበር ኣሎ ኢለን።

ናህሪ ዋጋ ንምርግጋዕ መንግስቲ ኣብ ነዳዲን ዘበናዊ ዱኽዒን ዝተፈላለዩ ድጎማታት ይገብር ከምዘሎ ተገሊፁ።

ናህሪ ናብራ፣ ምውሳኽ ስእነት ስራሐ፣ ኣከፋፍላ ልቓሓት ወፃኢ፣ ምልውዋጥ ፖለቲካዊ ቅዋም ዓለም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘለዎም ብድሆ ልዑል ከምዝኾነ ተዛሪበን።

እዚ ድማ ኣብ ውሱናት ዓውዲታት ዝተትሓዘ ሸቶ ንከይዕወት ፅዕንቶ ከምዝፈጠረ ሓቢረን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.