Fana: At a Speed of Life!

ናህሪ ዋጋ ናብ 27 ነጥቢ 7 ከምዝወረደ ተገሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናህሪ ዋጋ ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ ዝነበሮ 35 ሚኢታዊ ኣብ ወርሒ መስከረም 2016 ዓ.ም ናብ 27 ነጥቢ 7 ከምዝወረደ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ገሊፁ፡፡

ገዛኢ እቲ ባንኪ ማሞ ምህረቱ÷ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2016 ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን ኣቕሪቦም።

ኣብ ፀብፃቦም ድማ ኣብ በጀት ዓመት 2015 ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብ7 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ ብምሕባር፤ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብማእኸላይ ብ6 ነጥቢ 5 ብምዕይ ጥንኩርን ዝበረታታዕን ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ተዛሪቦም።

አብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናህሪ ዋጋ ብተኸታታሊ ምንካይ ኣመዝጊቡ ዝበሉ ኣይተ ማሞ÷ “ዋላ እኳ እቲ ናህሪ ዋጋ ሕዚ እውን ልዑል ይኹን እምበር እቲ ከይዲ ቀስብቐስ እናነከየ ምዃኑ ኣሃዛት የመላኽቱ” ኢሎም፡፡

ንኣብነት ድማ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሓበሬታታት ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝተገምገመሉ እዋን ናህሪ ዋጋ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2015 ዓ.ም ካብ ዝነበሮ ከባቢ 35 ሚኢታዊ ናብ 27 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ከምዝነከየ ምዕዛብ ከምዝተኸኣለ ኣብሪሆም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.