Fana: At a Speed of Life!

ናብ ትግራይ ትራንስፖርት መሬት ንምጅማር ምድላው ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር  ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ክልል ትግራይ ትራንስፖርት መሬት ንምጅማር ንማሕበራት መምርሒ ከምዘመሓላለፈ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ከምዝሓሮ÷ ብሚኒስትር ዝምራሕ ኮሚቴ ሚኒስትራት ምስ ፈቐደ ኣገልግሎት ክጅመር ኢዩ፡፡

ብመሰረት እዚ÷ ሃገር ኣቋረፅቲ፣ ፍሉያት ኣውቶቡሳት፣ ስሩዓት ኣውቶቡሳትን ካልኦት ትራንስፖርት ዝህባ ማሕበራትን ድሉዋት ንኽኾና መምርሒ ከምዝተመሓላለፈ ተገሊፁ፡፡

እቲ ኣገልግሎት÷ ቅድም ኢሉ ብዝነበሮ መስመር መሰረት ብምግባር ናብ መቐለ፣ ኣኽሱምን ሽረን ሓዊሱ ናብ ካልኦት ከባቢታት ክጅመር ኢዩ ተባሂሉ።

ብዮሐንስ ደርበው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.