Fana: At a Speed of Life!

ናብ ዕዳጋ ዝቐርቡ ፍርያታት ፅሬትን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ጥንኩር ቁፅፅር ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ በዓል ተተሓሒዙ ናብ ዕዳጋ ዝቐርቡ ፍርያታት ፅሬትን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ጥንኩር ቁፅፅር እናተገበረ ምዃኑ በዓል መዚ ምግቢን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

በዓል ሓዱሽ ዓመት 2016 ዓ.ም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዕድጊት እዋን ተግባራት ገበን ዝፍፅሙ ውልቀሰባት ብምክትታልን ምቁፅፃርን ብሕጊ ተሓተትቲ ንምግባር ብዕቱብ እናተሰርሐ ምዃኑ እቲ በዓል መዚ ገሊፁ።

ተቖፃፃሪ ኣፍረይቲ ትካላት ምግቢ እቲ በዓል መዚ ኣየነው ኣንዳርጌ ከምዝገለፁዎ÷ ንበዓል ዕዳጋ ዝቐርቡ ፍረያታት ፅሬቶምን ድሕንነቶምን ንምርግጋፅ ዝተጠናኸረ ክትትልን ቁፅፅርን እናተገበረ ይርከብ።

ብበዝሒ ዕድጊት ኣብ ዝካየደሎምን ፍርያት ኣብ ዝፈርየሎምን ከባቢታት ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ቁፅፅር ፅሬት እናተገበረ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብፍላይ ኣብ ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ፍርያታትን ስራሕቲ ክትትልን ቁፅፅር ብምውዳድ እናተካየደ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.