Fana: At a Speed of Life!

ናይጀሪያ ብቦኮሃራም ዝተመዛበሉ ህጻናት ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክትምልስ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ናይጀሪያ ብቦኮሃራም መኣዲ ትምህርቶም ዝተመዛበሉ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ህፃናት ናብ ትምህርቲ ናይ ምምላስ መደብ ኣጀሚሩ።

እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ትርከብ ግዝኣት ቦርኖ ዝትግበር እንትኸውን፥ ኣብታ ግዝኣት ብግብረ ራዕዲ ቦኮሃራም ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝተመዛበሉ ህጻናት ናብ ትምህርቲ ዝምልስ ኢዩ።

ነዚ ንምሕጋዝ እውን ምዝገባ እናተኻየደ ከምዝኾነ ፀብፃብ ቢቢሲ ኣፍሪካ ኣመልኪቱ።

ክሳብ ሕዚ 7 ሺሕ ተምሃሮ 1ይን 2ይ ማእኸላይ ደረጃ ከምዝተመዝገበሩ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.