Fana: At a Speed of Life!

ናይ ሃገርና ምጥፋእ ዝደልዩ ኩሎም ወኪል ጥፍኣት ትልሞም ብምግባር ንክጥቀሙልና ክንፈቅድ ኣይብልናን-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ከም ህዝቢ ኣፈላላይና ኣሚንና ብምቕባል ብዕድመ ብዙሕ ትውልዲ ብሓድነት ተኣሳሲርና ነቢርና ኢና ከብሉ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንሓድነትና ምክእኣል ወሳኒ ኢዩ ኢሎም።

ከም ሓደ ህዝቢ፣ ናይ ሃገርና ምጥፋእ ዝደልዩ ኩሎም፣ ናይ ጥፍኣት ትልሞም ወኪል ብምግባር ንክጥቀሙልና ክንፈቅድ ኣይብልናና ክብሉ እውን ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ዝተወሰኑ ማሕበረሰብ ክኸውን እንፈቕዶ ክፍኣት ምስ ዝምድና ሕድሕድና ምስ ዘለዎ ቅርበት ብዝበለፀ ንካልኦት ወኪላት ጥፍኣት መጥቀሚ ዝኸውን ኢዩ ኢሎም።

አብ ውሽጢ ማሕበረሰብና ልቦና ምስትውዓል ብምድላይ ኣፈላላይና ካብ ምጉላህ ንምቅርራብ ንስራሕ ኢዮም ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም።

ንዝኾነ ይኹን ንምጥፋእ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኩላትና ዝግበር ኢዩ ብምባል፥ ንዘጥፈአ ብምውጋዝ ኣብ ጎኒ ተጎዳኢ ክንስለፍ እንበር ዘጋጠመ ጥፍኣት ብኻሊእ ጥፍኣት ንምብእኣስ ክንፍትን ኣይብልናን ኢሎም።

ካብ ኢትዮጵያ እንበር ካብ ኢትዮጵያ ሀውከት ኩላትና ኣይንርባሕን ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.