Fana: At a Speed of Life!

ናይ ልዕሊ 20 ሺሕ ተምሃሮ ስምዕታ ምላሽ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ልዕሊ 20 ሺሕ ተምሃሮ ስምዕታ ምላሽ ከምዝተውሃበ ኤጀንሲ ፈተናታት ኣፍሊጡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ፈተናታት ኣይተ ተፈራ ፈይሳ፥ ምስ እርማት ፈተናን ቅርታን ተተሓሒዡ መግለፂ ሂቦም፡፡

እቶም ምክልት ዋና ዳይሬክተር ኣብ መግለፂኦም፥ እርማት ፈተና ካብ ምንኽኻእ ናፃ ብዝኾነ መልክዑ ብጥንቃቐ ዝተኻየ ይኹን እምበር ኣብ ካልኣይ ዙር ፈተና ፀገም ቴክኒክ እርማት ከምዘጋጠመን እርማት ከምዝተገበረን ገሊፆም፡፡

እቲ ፀገም እርማት ዝተፈጠረ ኣብ 559 ዘይበልፁ ተምሃሮ ከምዝኾነን ዳግም ምልከታ ተገይሩ ምስትኽኻል ከምዝተገበረ እውን ወሲኾም ሓቢሮም፡፡

ተምሃሮ እንተይተኣጓጎሉ ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ኮይኖም ቅሬትኦም ንምፍታሕ ዘኽእል ስረዓት ዘርጊሁ ከምዝተሰርሐ ገሊፆም፡፡

ብዝተዘርገሐ ስርዓት ድማ ናይ ልዕሊ 20 ሺሕ ተምሃሮ ቅሬታ ኣቕሪቦም ምላሽ ከምዝተውሃበ ተዛሪቦም፡፡

ብተደጋጋሚ ዝለዓሉ ስሕተታት ፆታን ሽምን ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ዝተፈጠረ ክፍተት እምበር ናይ ኣገልግሎት ፈተናታት ክፍተት ከምዘይኮነ እውን እቶም ምክትል ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.