Fana: At a Speed of Life!

ናይ መንግስቲ ተሽከርከርቲ ጠለብ ነዳዲ ዝቆፃፀር ስርዓት ክትግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ መንግስቲ ተሽከርከርቲ ጠለብ ነዳዲ ዝቆፃፀር ስርዓት ክትግበር ምዃኑ ተገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ንብረትን ዕድጊትን መንግስቲ ሓጂ ኢብሳ፥ እቲ ስርዓት ዘይተገበአ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ብምግዳብ ጠለብ ነዳዲ ንምቑጣብ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ተግባራዊ ዝገብር ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ቴክኖሎጂ÷ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ፈተነ ኣብ 10 ትካላት ፌደራል ንኽትግበር ምድላዋት ከምዝተዛዘሙ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ከይዲ ድማ ኣብ 169 ትካላት ፌደራል ከምዝትግበር እውን ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ገሊፆም፡፡

ኣይተ ሓጂ ኢብሳ ቅድሚ ሕዚ ብዝተዘርገሐ ስርዓት ዕድጊት ኤሌክትሮኒክ ውፅኢት ክምዝገብ ከምዝኸኣለ ሓቢሮም፡፡

ብኣፈወርቅ እያዩ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.