Fana: At a Speed of Life!

ናይ ፌዴሬሽን ምክር ቤት ናይ ህዝብን ኣባይቲን ቆፀራ ኣናዊሑ፤ ኣፈጉባኤን ምክትል ኣፈጉባኤን መሪፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሰኔ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ስሩዕ ኣኼብኡ ዝጀመረ ናይ ፌዴሬሽን ምክር ቤት መበል ራብዓይ ናይ ህዝብን ኣባይቲን ቆፀራ ኣናዊሑ።

ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ንድሕንነትን ጥዕናን ህዝቢ ክበሃል ከምዝተናውሐ እውን ተሓቢሩ።

ዝምልከቶም ኣካላት ናይቲ ቫይረስ ዝርገሐን ጉድኣትን ገምጊሞም ምቕናሱ ወይ ጉድኣት ምብፃሕ ምቛሙ ምስኣረጋገፁ እቲ ቆፀራ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክካየድ ተወሲኑ።

እቲ ምክር ቤት ኣብ ናይ ድሕሪ ሰዓት ውዕልኡ ካብ ክልል ደቡብ ዞባታት ከፋ፣ ወላይታ፣ ዳውሮ፣ ከምባታ ጠምባሮ፣ ሃዲያ፣ ጋሞ፣ ጉራጌ፣ ጌዴኦ፣ ጎፋን ደቡብ ኦሞን ዝቐረበ ክልል ናይ ምዃን ሕቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት መንነትን ትርጉም ሕገ መንግስቲን እቲ ቤት ምኽሪ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ሕቶታት ክልልነት ብዝግባእ መገዲ ንምትእንጋድ ናይ ሓባር መድረኻት ናይ ምምችቻው፣ ናይቲ ምክር ቤት ኣፈፀምቲ ምስ ክልላት ኣፈፀምቲ ናይ ምርኻብን ምዝታይን፣ ቅድመ ሐዚ ዝተፀንዑ ፅንዓታትን ናይ ሰላም ኣምባሳደራት ስራሕ ከምኡ እውን ንህዝቢ ብምዝታይ ናይ መወዳእታ ውሳነ ምሕላፍ ዘኽእል ውሳነ ሓሳብ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ሒዙ ክቐርብ ብኣብዝሓ ድምፂ እቲ ምክር ቤት ተወሲኑ።

እቲ ምክር ቤት ኣብ መወዳእታ ኣብ ቀረባ እዋን ብፍቓደን ስልጣነን ናይ ዝለቐቓ ናይቲ ምክር ቤት ኣፈ ጉባኤ ዝትክኡ ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣፈ ጉባኤ ንክኮኑ መሪፁ።

ቅድም ክብል ምክትል ኣፈ ጉባኤ ብምዃን ከገልግሉ ዝፀንሑ ኣይተ መሐመድ ረሽድ ድማ ብኣፈ ጉባኤነት ምስ ዝተመረፁ ካብ ሓደ ክልል ዝመፃእና ስለ ዝኾና ንካልኦት ዕድል ምሃብ ይግባእ ብምባሎም ብፍቓዶም ካብ ሓላፍነቶም ለቒቖም።

ነዚ ስዒቡ ወይዘሮ እፀገነት መንግስቱ ብምክትል ኣፈጉባኤነት ተመሪፀን።

ብተስፋዬ ከበደ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.