Fana: At a Speed of Life!

ናፃ ቀጠና ንግዲ ኢስታንቡል ምስ ናፃ ቀጠና ድሬዳዋ ምትእስሳር ክፈጥር ከምዝደሊ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናፃ ቀጠና ንግዲ ኢስታንቡል ምስ ናፃ ቀጠና ድሬዳዋ ብሓር ንምስራሕን ምትእስሳር ንምፍጣርን ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ።

ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ ዝተውፃእፀአ ልኡኽ ኣብ ቱርኪ ዝርከብ ናፃ ቐጠና ንግዲ ጎብኒዩ፡፡

ብምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣዲሱ ማሞ ዝተመርሐ ልኡኽ÷ ምስ ዋና ዳይሬክተር ናፃ ቀጠና ንግዲ፣ ምክትል ሓላፊን ኮንሱለር ሚኒስቴር ንግዲ ቱርኪን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያ ተዛቲዮም፡፡

ሓላፊ ቢዝነስ ደቨሎፕመንት እቲ ቀጠና ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ብቀንዱ ኣብ ዘፈራት ሓይሊ ፀሓይ፣ ቀረብ ኣውቶሞቲቭ ኢንዱስትሪ፣ ክፍሊታት ናይ ባሕሪ ተሸከርከርቲ፣ ማሽነሪ ኢንዱስትሪን መሳርሒታት ማሽንን፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ኬሚካል፣ ዓለባን ኮስሞቲክስን ዝተፈላለዩ ኩባኒያታት ኣብ ስራሕ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም፡፡

ኣይተ ኣዲሱ ማሞ ብግደኦም÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት፣ ኣብ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ከምኡ እውን ናፃ ንግዲ ቀጠና ድሬዳዋ ብዛዕባ ዘለዉ ሰፋሕቲ ዕድላት ኢንቨስትመንት፣ ንግዲን ሎጂስቲክስን ኣመልኪቶም ገለፃ ገይሮም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ዛዕባታት ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሑ እውን ካብ ኮርፖሬሽን ልምኣት ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.