Fana: At a Speed of Life!

“ንሃገረይ ኣይኮነን ምድራፍ ክሳብ ግንባር ብምኻድ መስዋእትነት ንምኽፋል ድልው ኢየ” – ድምፃዊ መስፍን በቀለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ከፍርስ ኢይ ኢሉ ምስ ዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ንምቅላስ ኣይኮነን ምድራፍ ክሳብ ግንባር ብምኻድ መስዋእትነት ንምኽፋል ድልው ኢየ ክብል ድምፃዊ መስፍን በቀለ ገሊፁ።

ድምጻዊ መስፍን በቀለ ንኢፕድ ከምዝበሎ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ኲናት ናይ ውሽጢ ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነስ ፀላእቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ናይ ውክልና ኲናት ኢዩ።

ስለዚ ኣብ ዝፈረሰት ሃገር ምዝርራብ ስለዘይከኣል፥ “ሃገረይ ከፍርስ ኢየ ኢሉ ምስ ዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ኣይኮነን ምድራፍ ክሳብ ግንባር ብምኻድ መስዋእትነት ንምኽፋል ድልው ኢየ” ኢሉ።

ድምጻዊ መስፍን፥ ብስራሕ ኣጋጣሚ ነባርነቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንተገበረኳ ካብ ሃገር ዝበልፅ የለን ኢሉ ዝኸኣሎ ንምሃብ ሁርሶ መሰልጠኒ ወታደር ብምርካብ ሰልጠንቲ ወታደራት ብሙዚቃ ንክለዓዓሉ ምግባረይ ንኡሽተይ ተግባር ኢዩ ኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.