Fana: At a Speed of Life!

ንሃገርን ህዝቢን ዝሓስብ ኩሉ መሳርሒኡ ብምቕማጥ ናይ ሓሳብ ዝርርብ ክገብር ኣአለዎ – ኣይተ ተስፋዬ በልጂጌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሃገርን ህዝቢን ዝሓስብ ኩሉ መሳርሒኡ ብምቕማጥ ናይ ሓሳብ ዝርርብ ክገብር ኣለዎ ክብሉ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ተፀዋዒ መንግስቲን ኣይተ ተስፋዬ በልጂጌ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ 15 ከተማታት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌደራልን ክልላትን ዝመርሑዎም ህዝባዊ መድረኻት ተኻይዶም።

“ህብረ ብሄራዊ ሕውነንት ንዘላቒ ሰላምን ኩለመዳይ ምዕባለን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ከተማ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ፡፡

እቲ ህዝባዊ ዘተ ሚኒስትር ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጂጌ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሃመድን ተቐዳሚ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ባህር ዳር ጎሹ እንዳለማውን መሪሖምዎ።

ኣይተ ተስፋዬ በልጂጌ ኣብቲ መድረኽ÷ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ህዝቢን እቲ ክልልን ካብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከምዘድሐነ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ጎኒ ህዝቢ ጠጠው ብምባል ንዝኸፈሎ መስዋእትነት ክብርሪን ምስጋናን ይግበኦ ኢሎም።

“ሰራዊት ምክልኻል ብህዝቢ ብጥርጣረ ንኽረአ ልዑል ዝኾነ ወፍሪ ፀለመ ይከፈት እምበር ህዝቢ ናይ ሓሰውቲ ወረ ንደሓር ብምባል ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ብምባል ንሰላም እናሰርሐ ምፅንሑ ኣርሒቑ ሓሳቢ ምዃኑ ዘመልክት ኢዩ” ክብሉ ኣብሪሆም።

እቶም ሚኒስትር ካብ ተሳተፍቲ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽን ተወሳኺ መብርሂን እውን ሂቦም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጠረ ፀገም ሰላም ይፈታሕ ዝብል ሕቶ እንትምልሱ÷ “ካብ ኣፈ ሙዝ ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ሰላም የለን” ኢሎም።

ኣብ ኲናት ተዓዋቲ ከምዘየለ ዝፈልጥ መንግስቲ ንሰላም ቆራፅ ከምዝኾነ ብምርግጋፅ፤ መንግስቲ ዘቕርቦ ፃውዒት ሰላም ከም ድኽመትን ተሰዓራይን ዝቖፅሩ ኣካላት ንህዝቢ ንብ ዝኸፍአ ኲናት እንተእትዉ ከምዝረአዩ ገሊፆም።

“ንሃገርን ህዝቢን ዝሓስብ ኩሉ መሳርሒኡ ብምቕማጥ ናይ ሓሳብ ዝርርብ ክገብር ኣአለዎ” ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.