Fana: At a Speed of Life!

ንልዕሊ 7 ነጥቢ 3 ሚሊዮን ዜጋታት ሓገዝ ገንዘብን ምግቢን ተገይሩ – ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንልዕሊ 7 ነጥቢ 3 ሚሊዮን ዜጋታት ሓገዝ ገንዘብን ምግቢን ከምዝተገበረ ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ÷ ኣብ ኩነታት ሃገራዊ ፀፅታ፣ ህፁፅ ሓገዝ፣ ስራሕቲ ሕርሻን ካልኦት እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያትን ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን።

ኣብ መግለፂአን ድማ ህፁፅ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ሓገዝ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

738 ሺሕን 607 ኩንታል እኽሊ ሓገዝ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ ቅድሚት ሓገዝ ንዘድልዮም ክፋላት ሕብረተሰብ ብመልክዕ ሓገዝ ንኽበፅሖም 1 ነጥቢ 4 ቢሊዮን ብር ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝተገበረ እውን ኣብሪሀን።

“በዚ ድማ ብሓፈሻ ሓገዝ ካብ ዘድልዮም ወገናት ናብ 7 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዜጋታ ሓገዝ ምግባር ተኻኢሉ” ኢለን።

ምስ ሰላምን ፀፅታን ተተሓሒዙ ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ÷ ክልል ኣምሓራ ብኣአንፃራዊነት ናብ ዝተማልአ ሰላም እናተመለሰ ከምዝርከብን ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ሓሓሊፎም ዝረኣዩ ፀገማት ፀፅታ የሃልዉ እምበር ሓዱሽ ኣመራርሓ ውዳብኡ ክሳብ ታሕተዋይ ውዳበ እናሰዘርገሐ ከምዝርከብ ተዛሪበን።

ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኣብ ዝምልከት ድማ ስራሕቲ ምክልኻል ዕስለ ኣምበጣ እናተወገነ ከምዝርከብን ፅባሕ ዝኽበር ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ብዝተፈላለዩ ፍፃመታት ከምዝኽበርን ገሊፀን።

ብኣመለወርቅ ደምሰው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.