Fana: At a Speed of Life!

ንሕቶ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ምላሽ ንምሃብ ይስራሕ ኣሎ-ወ/ሮ መኣዛ ኣሸናፊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበ ሕቶ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ምላሽ ንምሃብ ይስራሕ ምህላዉ ኣካቢት ጉባኤ ምፅራይ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ወ/ሮ መኣዛ ኣሸናፊ ገሊፀን።

ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ምክያድ ከምዘይኽእል ዕላዊ ምግባሩ ስዒቡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ንክወሃብ ውሳነ ምትሕልላፉ ይዝከር።

ኣካቢት ጉባኤ ምፅራይ ጉዳያት ሕገ መንግስቲን ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራልን ወ/ሮ መኣዛ ኣሸናፊ፥ ኣብ ክሊ እቲ ሕቶ ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂበን።

እተን ኣካቢት፥ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበ ሕቶ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ምላሽ ንምሃብ ይስራሕ ምህላዉ ገሊፀን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ስራሕ ብዘለዉ 10 ኣባላት እቲ ጉባኤ፥ ስራሕቲ ሕቶ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ከምዝተጀመረ እውን ተዛሪበን።

እቲ ዛዕባ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ዘድሊዮ ምዃኑ ክምርመር ኢዩ ዝበላ ወይዘሮ መኣዛ፥ ትርጉም ዘድሊዮ ሕቶ እንተኾይኑ እቲ ውሳነ ሓሳብ ናብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ከምዝቐርብ ሓቢረን።

ፅባሕ ምስ ሰብ ሞያ ሕጊ ንህዝቢ ዝተሓላለፍ ዘተ ከምዝግበር እውን ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.