Fana: At a Speed of Life!

ንሕና ንተፋሰስ ሃገራት ቅኑዕ ኣመለኻኽታ ኣለና ንሳቶም ግን ብዛዕባና ኣይግድሸምን – ኡስታዝ ጀማል በሽር

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኢትዮጵያውያን ንተፋሰስ ሃገራት ኣባይ ቅኑዕ ኣመለኻኽታ የሃልዎም እምበር ንሳተን ግን ብዛዕባ ኢትዮጵያውያን ኣይግድሸንን ክብል  ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ መንቅሒ ማሕበረሰብ ዝኾኑ ኡስታዝ ጀማል በሽር ተዛሪቦም።

እቲ መንቅሒ ማሕበረሰብ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት፥ ሓቂ ስለዘለና ጥራሕ ኣብ ጉዳይ ኣባይ ምስ ሃገራት ዓረብን ተፋሰስቲ ሃገራትን ዝግበር ክትዕ ጠጠው ኣይበለን ክብሉ ገሊፆም፡፡

“ንሕና ብዛዕባ ምዕራብ ዓለምን ተፋሰስቲ ሃገራትን ቅኑዕ ኣመለኻኽታ ኣለና፤ ንሳተን ግን ብዛዕባና ኣይግድሸንን” ኢሎም፡፡

ተፋሰስቲ ሃገራትን ሃገራት ዓረብን 85 ሚኢታዊ ዝኸውን ሩባ ኣባይ ዝፍልፍል ካብ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ እናፈለጣ ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ዝተሰሓሓቱ ተረኻት ብምፍጣር እናጋውሓ ምፅነሐን ኡስታዝ ጀማል በሽር ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ግብፂ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ እናጋወሐት ከምዝኾነትን ትዝርገሖም ሓበሬታታት እናተኸታተልካ እቲ ሓቂ ክረአ እናገበሩ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዙሪያ እቲ ግድብ እናተኻየደ ዝርከብ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ብውልቀ ሰብ ደረጃ እናተኻየደ ከምዝነበረ ዝገለፁ ኡስታዝ ጀማል በሽር፥ ኣብ ቀፃሊ ብብርኪ መንግስቲ ብዝተወደበ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ምስራሕ ከምዘድሊ ምኽረ ሓሳቡ ኣቕሪቡ፡፡

በአብረሃም ፈቀደ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.