Fana: At a Speed of Life!

ንመመሓየሺ ድጎማ ነዳዲ ዝወፅእ ዝነበረ ወርሓዊ ወፃኢ ካብ 10 ቢሊየን ብር ናብ 4 ቢሊየን ብር ወሪዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ህዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንመመሓየሺ ድጎማ ነዳዲ ዝወፅእ ዝነበረ ወርሓዊ ወፃኢ ካብ 10 ቢሊየን ብር ናብ 4 ቢሊየን ብር ክወርድ ከምገበረ በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ መዕደሊ ነዳዲ ብዝተነበረ ተወሳኺ እሴት ታክሲ ልዕሊ 5 ቢሊየን ኣታዊ ከምዝረኸበ እውን እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን ወይዘሮ ሳህረላ አብዱላሂ÷ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ተግባራዊ ዝኾነ ዝተተለመሉ ምምሕያሽ ድጎማ ነዳዲ ኣብቲ ዓውዲ ዝላ እናምፀአ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ከም ኣብነት ድማ መንግስቲ በቢወርሑ ብድጎማ ነዳዲ ይበፅሖ ዝነበረ ክሳራ ካብ 10 ቢሊየን ብር ናብ 4 ቢሊየን ብር ክንኪ ከምዝኸኣለ ኣብሪሀን።

መንግስቲ ክሳብ ሕዚ ካብ ድጎማ ነዳዲ 179 ብር ዕዳ ወይ እውን ክሳራ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ከይዲታት ድጎማ እናተመሓየሹ እንትመፅኡ ቀስ ብቐስ ዕድኡ ንምንካይ ከምዘኽእሎ ተዛሪበን።

መንግስቲ ንዕድጊት ነዳዲ ዘውፀኦ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ንምንካይ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሸከርከርቲ ንኸኣትዋ ከም ፖሊሲ መበረታትዒታታት ተግባራዊ ከምዝግበር ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.