Fana: At a Speed of Life!

ንመናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕ ብፖሊሲ ዝተሓገዘ ድጋፍ ፋይናንስ ምግባር ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስርዓት ፋይናንስ መካተቲ ብምግባር ንመናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕ ብፖሊሲ ዝተሓገዘ ድጋፍ ፋይናንስ ምግባር ከምዝግባእ ማሕበር መናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ማሕበር መናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕ ኢትዮጵያ ምስ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ብምትሕብባር ”ዘለላ” ዝተብሃለ መድረኽ ዘተ ምትእስሳርን ኣድቮኬሲ ፖሊሲ ኣካይዱ።

ፕሬዚዳንት እቲ ማሕበር ሳሚያ ኣብዱልቃድር÷ ብዙሓት ሰብ ዋና ፈጠራ ሓገዝ ፋይናንስን መሰል ሓገዛትን ብዘይ ምርካቦም ዝሓሰቡዎ ንምዕዋት እናተፀገሙ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እቲ ማሕበር በቲ ዓውዲ ዝረአዩ ፀገማት ንምስራሕን መፍትሒ ንምትእልላሽን ፃዕሪ እናገበረ ምፅንሑ እውን ኣመልኪቶም።

ኣመራርሓ ስራሕ ሊድ ልምዓት ስታርት ኣፕ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሰላምይሁን ኣደፍርስ ብግደኦም÷ ሓሳብ ፈጠራ ዘለዎም ዜጋታት ዝድግፍ ፖሊሲ ፋይናንስ ብዘይምህላዉ ፀገም ኮይኑ ምፅንሑ ተዛሪቦም።

እቲ ፀገም ብዘላቒነት ንምፍታሕ ሓደሽቲ ሓሳባት ሒዞም ዝመፅኡ ፈጠርቲ ስራሕ መናእሰይ ዘተኣናግድ ማዕቐፍ ፖሊሲ እናተሰናድአ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስራሕ ከምዝውዕል ኣብሪሆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.