Fana: At a Speed of Life!

ንምጉታት ፕሮጀክትታት ከምፀገም ዝልዓል ግዝያዊ እገዳ ቤት ፍርዲ ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንምጉታት ፕሮጀክትታት ከምፀገም ዝልዓል መድረኽ ምኽክር ግዝያዊ እገዳ ቤት ፍርዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻደ ይርከብ።

ኣብቲ መድረኽ ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ፍትሒ፣ ዳኛታት ቤት ፍርዲ፣ ኣባላት ቐዋሚ ኮሚቴ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ዓቀብቲ ሕግን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።

ኣብቲ እዋን ዘተ÷ “ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝከራከረሎም መሬትን መሬት ተንከፍ ጉዳያትን ግዝያዊ እገዳ ቤት ፍርዲን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተፀንዐ መፅናዕቲ ቀሪቡ።

ኣብቲ መፅናዕቲ ዝርኣዩ ፀገማት፣ መማረፂ መፍትሕታትን መምርሕታት ትግበራን ከምዝቐረቡ እውን ተሓቢሩ።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ከምዝገለፅኦ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ከምዝገለፀኦ፤ “ከተማና ብሓባር ንምልማዕን ፀገማት ድማ ብሓባር ተሓባቢርና ንምፍታሕ” ኣብ መፅናዕቲ መሰረት ተገይሩ ክስራሕ ይግባእ።

ልምዓት ሃገር ንክቕልጥፍ፣ ኣብቲ ዘተ ዝልዓሉ ምኽረ-ሓሳባት ንምትግባርን ብወገን ኣፈፃፅምኡ ድማ ከምፀገም ዝልዓሉ እንተልዮም ንምስትኽኻልን ቆራፃት ከምዝኾኑ እውን ተዛሪበን።

ሓላፊት ቢሮ ፍትሒ  ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ፅዋዬ ሙሉነህ ብግደኦም÷ ኩለመዳያዊ ልምዓት እታ ከተማ ንምክያድ ምጉታት ካብ ዝፈጥሩ ፀገማት እቲ ሓደ ግዝያዊ እገዳ ኣብያተ-ፍርዲ ከምዝኾነ ድሕሪ ምሕባር፤ ነቲ ዘተ ዝቐረበ መፅናዕቲ እውን ቅልጡፍ፣ፍትሓውን ሃፍቲ መንግስቲ ብኣግባቡ ንምጥቓም ዕንቅፋት ካብ ዝኾኑ ፀገማት ፈሊኻ ንዘተ ዘቕረበ ከምዝኾነ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.