Fana: At a Speed of Life!

ንሸኔ ስራሕቲ ሎጂስቲክስ እናሳለጡ ዝነበሩ 8 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ንሸኔ ስራሕቲ ሎጂስቲክስ እናሳለጡ ዝነበሩ ናኒ ቤኛ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብን ሸውዓተ ተሓባበርቱን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እቲ ውልቀ ሰብ ኣብታ ካፍለ ከተማ ወረዳ 9 ፍሉይ ቦታ ጎሮ ሰፈራ ናይ ውልቀ ሰብ ገዛ ተኻርዩ ንኦነግ ሸኔ ስራሕቲ ሎጂስቲክስ እንትሰርሕ ኢድ ብኢድ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ፡፡

ካብቲ ውልቀ ሰብ ብተወሳኺ ካልኦት ሸውዓተ ተጠርጠርቲ እውን ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ ንዕላማ ራዕዲ ክውዕሉ ዝነበሩ መለለዪ ክዳን ነበር ሰራዊት ምክልኻል፣ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ደፍተራት ባንኪ ሒሳብ፣ ዝተፈላለዩ ኤቲኤም ካርድን ዝተፈላለዩ ሰነዳትን ኣብ ዝተኻረዩሉ ገዛ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ፡፡

እቶም ተጠርጠርቲ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ፣ ሓበሬታ ምክልኻልን ኮሚሽን ፖሊስ ብሓባር ብዝተሰርሐ ስራሕ ኢዮም ተታሒዞም፡፡

ኣካረይቲ ገዝኦም መንነት እነተካርዩ ዝገልፅ ሓበሬታ ሓቲቶም ከካርዩ ከምዝግባእ እቲ ግብረ ሓይሊ ፀፅታ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ሕብረተሰብ ፀጉረ ልዉጣት እንተረክብ ኣብ ቀረብኡ ንዘለዉ ሓይሊታት ፀፅታ ከፍልጥ ከምዝግበኦ እውን ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.