Fana: At a Speed of Life!

ንበዓል ዳሜራ ንተሽከርከርቲ ዕፁዋት ዝኾኑ መገዲታት ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ዝኽበር በዓል ምኽንያት ንተሸከርከርቲ ዝዕፀዉ መገዲታት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዕላዊ ገይሩ፡፡

ብመሰረት ፅባሕ ረፋድ ካብ 5:00 ጀሚሩ ክሳብ ፍፃመ እቲ በዓል፡-

  • ካብ ኡራኤል ኣደባባይ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ኣብ ኡራኤል ኣደባባይ
  • ካብ ቦሌ ኣቅጣጫ ናብ መስቀል ኣደባባይ ንዝመፅኡ ተሽከርከርቲ ኦሎምፒያ ኣደባባይ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ከምኡ እውን የማንን ፀጋምን
  • ካብ መስቀል ፍላወር ናብ ኦሎምፒያ ዝወስድ መገዲ ኣብ ጋዜቦ ኣደባባይ
  • ካብ ኣጎና ሲኒማ ናብ መስቀል ኣደባባይ ንከበድቲ ተሽከርከርቲ ጥቓ ኣጎና ሲኒማ ከምኡ እውን ንቀለልቲ ተሽከርከርቲ ጥላሁን ኣደባባይ (ኣራተኛ ክፍለጦር )
  • ካብ ለገሃር መብራት ናብ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ለገሃር መብራት
  • ካብ ቴሌ መቋረፂ ናብ ስታድዮም ንዝጓዙ ኣብ ቴሌ መቋረፂ
  • ካብ ራስ ሆቴል ናብ ስታድዮም ንዝመፅኡ ተሽከርከርቲ ኣብ ራስ ሆቴል
  • ካብ ሃራምቤ መብራት ወይ ድማ ካብ ኣምባሳደር ሲኒማ ናብ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ሃራምቤ መብራት
  • ካብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ኣብ ጥቓ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ
  • ካብ ካዛንቺስ ሼል ናብ ባምቢስ ዝወስድ መገዲ ኣብ ጥቓ ካዛንቺስ ሼል ከምኡ እውን
  • ካብ ጁፒተር ሆቴል ናብ ECA ዝወስድ መገዲ ኣብ ጥቓ ባምቢስ ሳልኮት ህንፃ ንተሽከርከርቲ ክዕፀዉ ኢዮም፡፡

ኣሽከርከርቲ እዚ ተገንዚቦም ኣማራፂታት ብምጥቃምን ኣባላት ፖሊስ ትራፊክ ብዘርእዩዎም መገዲ ብምጓዓዝ ኣድላዪ ምትሕብባር ንኽገብሩ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፀዊዑ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.