Fana: At a Speed of Life!

ንበዓል ዳሜራ ኣብ ኣደባባይ መስቀል መርሃ ግብሪ ፅሬት ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዳሜራ ዝኽበረሉ ኣደባባይ መስቀል መርሃ ግብሪ ፅሬት ተሳሊጡ።

ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ዋና መካየዲ ስራሐ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጥራቱ በየነ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝገለፁዎ÷ ቀንዲ ዕላማ እቲ ወፍሪ ፅሬት ካብ ፅሬት ሓሊፉ ኣብቲ ቦታ ብምርካብ በዓል መስቀል ንዘኅብሩ ወገናት ሓድነት ንምርኣይ ኢዩ፡፡

እቲ በዓል ሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ ሓሊዩ ሓድነት ብዘርኢ መልክዑ ንኽኽበር ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ባዕሎም ግደ ንኽዋፅኡ ፃውዒት ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኣፍቲ ወፍሪ ፅሬት ኣቦታት ሃይማኖት ተኸተልቲ ዝተፈላለዩ እምነታት፣ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ነበርቲ እታ ከተማን ተሳቲፎም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.