Fana: At a Speed of Life!

ንኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት ቤት ምኽሪ ፀፅታን  ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካን ኣብ እዋናዊ ጉዳይ መብርሂ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ንኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት ቤት ምኽሪ ፀፅታን ሰላምን  ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካን ኣብ እዋናዊ ጉዳይ መብርሂ ሂቦም።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣብ ትግራይ፣ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን፣ ህዳሴ ግድቡን ምርጫን ብምድሃብ ኢዮም ነቶም አምባሳደራት መብርሂ ሂቦም።

ኣብ ትግራይ ክሳብ ሐዚ መንግስቲ 70 ሚኢታዊ  ሰብዓዊ ድጋፍ ከምዘቅረበ ገሊፆም።

ሱዳን ኣብ ትግራይ ክልል ዝተኻየደ ምኽባር ሕጊ ስዒባ ዶብ ኢትዮጵያ ምዉራራ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቤኒሻንጉል ጉምዝ ክልል ናይ ይግበአኒ ሕቶ ምልዓላ ፍፁም ተቀባልነት ከምዘይብሉ እውን ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ማሕበረሰብ ዓለም ፅዕንቶ ንክገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ህዳሴ ግድብ ብዝምልከት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምቕራብ እቲ ግድብ ኣብ ሃገሮም ፅዕንቶ ከምዘይፈጥር ምዝራቦም ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣብ መፃኢ ምርጫ ልዕሊ 34 ሚሊየን ሰብ ንምምራፅ ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.