Fana: At a Speed of Life!

ንኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት 132 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር በጀት ሓገዝ ግልጋሎት ተሰሊዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ተካእቲን ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ዘምፅኡን ፍርያታት ዝዋፈሩ ሓደሽቲ ኢንተርፕራይዛት ንምፍጣር ብዕቱብ እናተሰርሐ ምዃኑ ኢንተርፕራይዝ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ዝረኣዩ ማሕለኻታት ብምጥማት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ልዝብ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ሓለፍቲ ስራሕ ባንኪ ዓለም፣ ባንኪ ልምዓት፣ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ፣ ትካል ልምዓት እታወት ኢንዱስትሪን እቲ ትካልን ተረኺቦም።

ዋና ዳይሬክተር ኢንተርፕራይዝ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣለባቸው ንጉሴ (ዶ/ር)፥ መፍረያይነት ኢንተርፕራይዛት ንምድንፋዕ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብ ተካእቲን ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ዘምፅኡ ፍርያትን ዝተዋፈሩ ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ፍሉይ ትኹረት ከምዝተውሃበ ኣብሪሆም።

እዚ ንምዕዋት ድማ ንስራሕ መካየዲ፣ ንካፒታል ፋይናንስ ኣቕሓን ካልኦት ግልጋሎታትን ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝግበር ኣረጋጊፆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ንኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ካብ ባንኪ ዓለም 132 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር በጀት ሓገዝ ከምዝተሰለዐ ገሊፆም።

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.